ምክትል ፕረሲደንትን ዋና ኣካያዲት ስራሕን ትካል መፍረ ጫማ “ናይኪ” ጨንፈር ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ዝኾነት ኣን ሀበርት፡ ወዲ 19 ወዳ ብናታ ክረዲት ካርድ ዋጋ 123 ሽሕ ዶላር ፍሉይ ናይኪ ጫማ ብምግዛእ ድሒሩ ብመኽሰብ ክሾጦ ብምኽኣሉ ብወለንትኣ ካብ ስራሕ ከም ዝተሰናበተት ተሓቢሩ።
ንልዕሊ 25 ዓመት ኣብ ትካል ናይኪ ዝሰረሐት ኣን፡ ድሕርቲ ፍጻመ ብወለንተኣ ካብ ስርሓ ከም ዝተሰናበተት ድሕሪ ምሕባር፡ መተካእተኣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክረቛሕ ምዃኑ ትካል ናይኪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብመሰረት ብሉምበርግ ቢዝነስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ጠንቂ ናይዚ ኲሉ ኮይኑ ዘሎ ወዳ፡ ፍሉይ ፕሮግራም ኮምፕይተር ብምጥቃም፡ ሰባት ብብዝሒ ዝደልይዎ ዓይነት ጫማ ድሕሪ ምፍላጥ፡ ብናይ ኣዲኡ ክረዲት ካርድ ዋጋ 123 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ናይኪ ዝዓይነቱ ሓንሳእ ዝፈሪ ጫማ ብምግዛእ፡ ድሒሩ ኣብቲ ንሱ ዝውንኖ ትካል ብዝለዓለ ዋጋ ክሸጦ ከም ዝኸኣለ ኣረዲኡ፡ በቲ ዝገበሮ ናይ ዳግመ-መሸጣ መስርሕ ልዕሊ 20 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ መኽሰብ ክረኽበሉ ከም ዝኸኣለ’ውን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ይገልጽ።