ኣብ 2021፡ ብዓለም ደረጃ፡ 200 ዝበጽሑ ተጣበቕቲ ኣከባቢ ከም ዝተቐተሉ ዝገልጽ ሓበሬታ ካብ ኣሶሸይትድ ፕረስ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ሎሚ 29 መስከረም ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ከም ዘረዳኦ፡ ካብቶም ዝተቐተሉ ተጣበቕቲ እቶም 54 ኣብ መክሲኮ ከም ዝኾኑ፡ እዚ ድማ እታ ሃገር ዝለዓለ ቅትለት ተጣበቕቲ ኣከባቢ ዝረኣየላ ሃገር ገይርዋ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ ሓደ ርብዒ ካብቲ ቅትለት ኣብ ከም ኮሎምቢያ፡ ብራዚልን ኒኳራጋን ዝኣመሰላ ሃገራት ላቲን ከም ዝተፈጸመ ተሓቢሩ።
ኣብ መክሲኮ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ብተኸታታሊ 30 ተጣበቕቲ ዓመታዊ ይሞቱ ከም ዝነበሩ ክግለጽ ከሎ፡ ዝሓለፈ ዓመት ግን እቲ ቅትለት ብዓቢ መጠን ምውሳኹ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።