ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ዝነጥፍ ‘ማሕበር ምትሕግጋዝ ተጋደልቲ ዛራ’ ኣባላትን ስድራ-ቤቶምን፡ ብ9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ – መዓስከር ደንደን ንዝርከቡ ተኣለይቲ ሓርበኛታት ስንኩላን እንግዶት ገይሮም።
ኣብ’ቲ ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወ/ሮ ልኡል ገብረኣብ እትርከቦም ዕዱማት ዝተሳተፍዎ ኣጋጣሚ፡ ወኪል ማሕበር ምትሕግጋዝ ተጋደልቲ ዛራን ስድራ-ቤቶምን ሌተናል ኮሎኔል ባህታ ሚኪኤል ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ መደብ መርኣያ ሕብረተሰባውን ሰውራውን ክብሪታት ከምዝዀነ ጠቒሱ፡ ገጽ ሓርበኛታት ብጾቶም ክርእዩ፣ ብመንፈስ ድማ ምስሊ ቀደም ክዝክሩን ከተባብዕዎምን ዝወደብዎ ምዃኑ ገሊጹ።
ካብ ኣባላት ማሕበር ወ/ሮ ኣብርሀት ተመልሶን ኣቶ ምስግና ገብረመድህንን ብወገኖም፡ ምስ ሓርበኛታት ብጾት ምውዓልን ምዝንጋዕን ናይ ሕልና ዕግበት ከምዝፈጠረሎም ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ ዝበለጸ መደባት ክትግብሩ ምዃኖም ቃል ኣትዮም።
ሓላፊ ጨንፈር ምንባይ ስንኩላን መዓስከር ደንደን ኣቶ የማነ ጸጋይ ብግደኡ፡ ንሓርበኛታት ስንኩላን ዝግበር ሓልዮትን ምትሕብባርን፡ መርኣያ ክቡር ባህሊ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነቶም ተገዲሶም “ኣለናልኩም” ዝበልዎም ዜጋታት፡ ብስም ኩሎም ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናትን ተኣለይቲ መዓስከር ደንደንን ምስጋና ኣቕሪቡ።