መንግስቲ ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ሻንቢቆ መተሓላለፊ ባህሪያዊ ጋዝ ብፍላጥ ከም ዝተገበረ ድሕሪ ዝተገመተ መጥቃዕቲ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ከም ዝጸወዐት ማዕከን ዜና ኣርቲ ገሊጻ።
ኣፈኛ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብኖርድ ስትሪም ሓደን ክልተን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኣኼባ ከም ዝጸወዐት ምሕባራ ተፈሊጡ።
መንግስታት ሽወደንን ደንማርክን ድሮ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሻንቢቆታት ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ክፋሉ ዓቢ ጒድኣት ወሪዱ ከም ዘሎ ምግላጸን ተሓቢሩ።
ተግባሪ እቲ መጥቃዕቲ መን ምዃኑ’ኳ ብወግዒ ኣይፈለጥ፡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ፖላንድ ግን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ንኣመሪካ ነቲ ሻንቢቆ ምዕናዋ ዘመስግን ጽሑፍ ከም ዝዘርገሐ ተነጺሩ ኣሎ።