ብሪጣንያ ድሕርቲ ኣብ መንጐ ኣውስትራልያን ዓርሞሸሽ ትካል ፈይስቡክን ኣጋጢሙ ዝቐነየ ዘይምስምማዕ፡ ኣባላት ሃገራት ጒጅለ-7 ኣብ ተማሳሳሊ ጒዳይ ሓባራዊ መረዳእታ ንክህልወን ትሰርሕ ምህላዋ ተገሊጹ።
ዝሓለፈ ቅንያት፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ፡ ትካላት ተክኖሎጂ ኣብ ድሕረ-ገጻተን ዝዝርግሐኦ ዜናታት ክፍሊት ድሕሪ ምስልዑ ዝተላዕለ ሕንፍሽፍሽ ኣህጒራዊ ኣቓልቦ ስሒቡ ምቕናዩ ይዝከር። ምስዚ ብምትእስሳር፡ ዓበይቲ ትካላት ተክኖሎጂ ዘለወን ዕብለላ ተጠቂመን ኣብ ልዕሊ ምስአን ምትእስሳር ዘለዎም ውልቀሰባትን ትካላትን ገደቡ ዝሓለፈ ምዝመዛ ካብ ምክያድ ክኽልከላ ከም ዘለወን ሚኒስተር ዲጂታል ብሪጣንያ የተሓሳስብ።
ኣብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት ኣኼባ ጒጅለ-7 እተአንግድ ብሪጣንያ፡ ኣብዚ መዳይ ሓባራዊ መረዳእታ ክህሉ ኣገዳሲ ምዃኑ እያ እትገልጽ። ኣባላት ጒጅለ-7 ኣመሪካ፡ ጃፓን፡ ብሪጣንያ፡ ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ጥልያን ከምኡ’ውን ካናዳ ኮይነን፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ጒጅለ-7 ግን ኣውስትራልያ ተዓዲማ ከም ዘላ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።