ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ካብ ገበን ሓራ ብምዃን፡ ኣብ ምክልኻሉ ከምኡ’ውን ኣብ ምቅላዕ ገበነኛታት ተራአን ከዕዝዛ፡ ፖሊስ ዞባ ማእከል ጸዊዑ።
ኣዛዚ ቀዳማይ መደበር ሰርጀንተ በየነ ርእሶም ነዚ ጻውዒት’ዚ ዘቕረበ፡ ብ8 ሓምለ ንልዕሊ 150 ወነንቲ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር’ዩ።
ድልዱል ዝምድናን ስጡም ምትሕብባርን ፖሊስን ህዝብን ኣብ ምክልኻልን ምንካይን ገበን ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ሰርጀንተ በየነ፡ ወነንቲ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ብሕጊ ክመላለሱ፣ ገበኛታት ናብ ሕጊ ብምቕራብ ድማ ኣውሓስቲ ሰላምን ርግኣትን ከባቢኦም ክኾኑ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ቀዳሞት 6 ኣዋርሕ ናይ 2022፡ ኣብ ቀዳማይ መደበር ፖሊስ ካብ ዝተመዝገቡ 966 ገበናትን በደላትን፡ እቶም 804 በደላት ክኾኑ ከለዉ፡ 56 ድማ ምስ ምትላል ቸክ ዝተተሓሓዙ ምዃኖም’ውን ሓቢሩ።
ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ብሓፈሻ፡ ወነንቲ ኣብያተ-መሸጣ ኣልኮል ድማ ብፍላይ ብሕጊ ዝተኸልከለ ንጥፈታት ካብ ምክያድን ንትሕቲ ዕድመ ኣገልግሎት ካብ ምሃብን ክቑጠቡ ዘጠንቀቐ ሰርጀንተ በየነ፡ ብሚኒስትሪ ጥዕና ዝወጸ ንምትካኽ ሽጋራ ዝምልከት መምርሒ’ውን ብዕቱብ ከተግብሩ ኣተሓሳሲቡ።
ተሳተፍቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ እቲ ርክብ ኣብ ሕጊ ንዝጸንሖም ኣፍልጦን ንቕሓትን ዝድርዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ዘውጸኦ ምትካኽ ሽጋራ ኣብ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝኽልክል መምርሒ፡ ቀጻሊ ጎስጓስ ክግበረሉ ተላብዮም።