ተክኖሎጅካዊ ትካል ማይክሮሶፍት፡ ንሰራዊት ኣመሪካ ዝተራቐቐ ተክኖሎጅካዊ ፍርያት ንምቕራብ ናይ 21.9 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ጨረታ ከም ዝተዓወተ ተሓቢሩ።
ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ምስ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ምምዕባል እዚ ስርዓተ-ርእየት ተጠቒሙ ዓቕሚ ሓደ ወተሃደር ዘዕቢ ተክኖሎጅካዊ ፍርያት ዝሰረሐ ትካል ማይክሮሶፍት፡ መስርሕ ፈተነ ተወዲኡ፡ ብብዝሒ ኣብ ምፍራይ በጺሖም ከም ዘለዉ እቲ ትካል የረድእ።
ትካል ማይክሮሶፍት፡ ተክኖሎጅካዊ ፍርያት ተጠቒምካ ዓቕሚ ሰራዊት ኣመሪካ ንምዕባይ ዝዓለሙ ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ብርክት ዝበለ ውዕላት ዘለዎ ኮይኑ፡ ሕጂ’ውን ናይ 10 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ተማሳሳሊ ውዕል ክዕወተሉ ከም ዝኽእል ተዓዘብቲ ይሕብሩ።