ኣብ 2020 ብዝተኸሰተ ለብዒ ኮቪድ-19 ቊጠባዊ ምንቅስቓስ ሃገራትን ውልቀሰባትን ቡዙሕ ከም ዘይነበረ ተንተንቲ ቈጠባ ይሕብሩ – እንትርፎ ኣብ ሃገረ ቻይና።
ኣብ 2020፡ ድሒሩ ዝተበራበረ ቈጠባ ቻይና 259 ሓደስቲ ቢልዮነራት ክፈጥር ከም ዝኸኣለ ሓደ ኣብነት ናይዚ እዩ። ካብዞም ዝተፈጥሩ 259 ቢልዮነራት፡ ዞንግ ሻንሻን 85 ቢልዮን ዶላር ብምጥራይ ኣብ ቅድሚት ይስራዕ።
ንሱ ዝውንኖ ዕሹግ ማይ ዘፍሪ ትካል ናብ ብርካዊ ዕዳጋ ድሕሪ ምውራዱ ንሱ ዝውንኖ ብርክታት ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ ክትመን ብምኽኣሉ ብሓደ ግዜ ናብ ሊስታ ቢልዮነራት ክኣቱ ምብቕዑ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ 2020 ኣብ ቻይና ዝተፈጠሩ ሓደስቲ ቢልዮነራት፡ ምስ ኣብ ዓለም ዝተፈጠሩ ተደሚሩ’ውን ከምዘይወዳደር ዝተዘርገሐ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብዚ ግዜ ኣብ ቻይና 1,058 ቢልዮነራት ዘለዉ ኮይኖም፡ ቻይና ናይ መጀመርታ ልዕሊ 1,000 ቊጽሪ ቢልዮነራት ዘለዋ ሃገር ክትከውን ኪኢላ ከም ዘላ ኪኢላታት ቈጠባ ይሕብሩ። ኣብ 2020፡ ቈጠባ ቻይና ብ2.3 ሚእታዊት ክውስኽ እንከሎ፡ ብኣንጻር ናይዚ፡ ቈጠባ ኣመሪካ፡ ጀርመን ከምኡ’ውን ብሪጣንያ ብ3.7፡ 5 ከምኡ’ውን 11 ሚእታዊት ብተኸታታሊ ምንቊልቋሉ ይሕበር።