ሃገራዊ ኪነ-በረራን ምምሕዳር ጠፈርን ኣመሪካ ብሓሙስ 18 ለካቲት 2021 ኣብ ፕላኔት ማርስ ሽድሽተ መንኮርኮር ዘለዎ ተሽከርካሪ ሮቦት ብዓወት ከም ዘዕለበ ተሓቢሩ። እቲ ሮቦት ኣብ ሰዓት 12 ሽሕ ማይልስ እናተጓዓዘ ድሕሪ 239 ሚልዮን ማይልስ ኣብ ማእከል ቅናት ማርስ “ጀዘሮ” ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝዓለበ ኮይኑ፡ ድሮ’ውን ናይ ዝዓለበሉ ከባቢ ስእልታት ናብ መሬት ክሰድድ በቒዑ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ድሕሪ ምዕላብ እቲ ሮቦት ኣብ መከታተሊ ተልእኾታት ናሳ ድሙቕ ናይ ሓጎስ ስምዒታት ከም ዝተራእየን፡ ነዚ ተልእኾ ዕውት ክኽውን ዝሰረሐት ጉጅለ’ውን ካብ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ናሳ ናእዳ ይውሕዘላ ምህላው ተሓቢሩ።
እዚ ሮቦት ዓሊብሉ ዘሎ ቦታ፡ ብተመራመርቲ ጠፈር ቅድሚ ቢልዮናት ዓመታት ቀላይ ዝነበሮ ምዃኑ ዝእመን ኮይኑ፡ ብመሰረት ውጥን ናሳ፡ እቲ ሮቦት ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት ህላወ ህይወት ኣንፈት ዝህቡ ዝተፈላለየ ኲዕታ ከካይድ ምዃኑ ምክትል ሓላፊ እዚ ተልእኾ ይገልጽ።