ካብ ሕጊ ወጻኢ ካብ ሃገር ክወጽእ ዝተሓስበ ልዕሊ 33 ሚልዮን ብር ዝዋግኡ ወርቅን ባጤራ ሃገራት ወጻእን ከም እተታሕዘ ኮምሽን ጉምሩክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ግምታዊ ዋግኡ 33,842,600 ብር ዝኾነ ባጤራ ዝተፈላለያ ሃገራትን ወርቅን ብዘይ-ሕጋዊ መንገዲ ናብ ወጻኢ ሃገር ንምውሳዱ ኣብ መስርሕ እንከሎ ብቤት-ጽሕፈት ጉምሩክ ጨንፈር ድሬዳዋ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ከም ዛኣተወ ኮምሽን ጉምሩክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣካያዲ ስራሕ ቤት-ጽሕፈት ጉምሩክ ጨንፈር ድሬዳዋ ኣቶ ደመላሽ ተሾመ ከም ዝገለጾ፡ 6.4 ኪሎ ግራም ወርቅን 182,665 ዶላር ኣሜሪካ፡ 68,905 ርያል ስዑዲ፡ 1,800 ፓውንድ እንግሊዝ፡ 5,530 ዶላር ካናዳን 40 ዲናር ባሕሬንን’ዩ ተታሒዙ።