መዓልታዊ ሓደ ኲባያ ዝዓቐኑ ቀጠልያ ዝሕብሩ ኣሕምልቲ ምምጋብ፡ ንተኽእሎ ሓደጋታት ሕማም ልቢ ብ26 ሚእታዊት ከጒድሎ ከም ዝኽእል ሓድሽ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብሪሁ።
እቲ ኣብ 50 ሽሕ ሰባት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እቶም ዝበዘሐ ቀጠልያ ዝሕብሩ ኣሕምልቲ ዝምገቡ ሰባት፡ ዝተሓተ ዓቐን ጸቕጢ ደም ክምዝገበሎም ከሎ፡ ዝተሓተ ተኽእሎታት ሓደጋ ሕማም ልቢ’ውን ተራእይዎም።
ቀጠልያ ኣሕምልቲ ኣብ ንምገበሉ ግዜ፡ ናይትሪክ ኣሲድ ዝበሃል ምራቕ ዝፈሪ ኮይኑ፡ እዚ ምራቕ መትንታት ደም ብምግፋሕ መጠን ጸቕጢ ደም ኣብ ምጒዳል ዓቢ ተራ ከም ዝጻወት ኪኢላታት ጥዕና ይሕብሩ።