መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብዚ ቅንያት ዝጽደቖ ሓድሽ ንዩክረይን ዝተወሃበ ዓይነት ኣጽዋራት ከም ዝሓበረ ሎሚ 29 መስከረም ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ካብ ኣርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ ኣመሪካ ክሳዕ እዚ ግዜ ናይ 17 ቢልዮን ኣጽዋር ብዝተፈላለየ መልክዕ ንዩክረይን ከም ዝሃበት ተገሊጹ።
ካብዚ ዝተወሃበ ኣጽዋራት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቊጸር ቦንባታት ናይ መዳፍዕን፡ ሓደ ሚልዮን ዝበጽሕ ናይ ከቢድ ብረት ጠያይትን ከም ዘጠቓልል ተሓቢሩ።
እቲ ዝርዝር ከም ዘረድኦ፡ 1,400 ስቲንገር ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይል፡ 8,500 ጸረ-ታንክ ሚሳይል፡ ከምኡ’ውን 60 ሚልዮን ጠያይት ፈኮስቲ ብረት ከም ዘጠቓልል ተፈሊጡ ኣሎ።
ብዘይካ’ዚ፡ 200 ድሩዓት መካይን፡ 20 ሄሊኮፕተራትን 150 መዳፍዕን’ውን ኣብቲ ዝርዝር ተጠቓሊሉ ከም ዘሎ ተነጺሩ።