ቅድሚ ራብዕቲ ብመንገዲ ‘ኣቶ’ ዝብሃል ቦታ ናብ ክልል ሶማል፡ ዞን ኣፍዴር፡ ሰሊኹ ዝኣተወ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ‘ሁልሁል’ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ከበባ ድሕሪ ምእታዉ፡ ሰዳድ ወረ ዘይብሉ ምሉእ ብምሉእ ከም እተደምሰሰ ቤት-ምኽሪ ጸጥታ’ቲ ክልል ገሊጹ።
ቤት-ጽሕፈት መራኽቢታት’ቲ ክልል ከም ዝገለጾ፡ እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ኣብ ዝሓሰቦ ቦታ ከይበጽሐ፡ ክጥቀመለን ዝጸንሓ 13 መካይን ክህሞኻ ከለዋ፡ ሒዝዎ ዝኣተወ ዕጥቅን ስንቅን ድማ ተማሪኹ።
ቤት-ምኽሪ ጸጥታ’ቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ብመንገዲ ኤልከሬ ዝበሃል ቦታ ናብ ክልል ኦሮሚያ ብምእታው ምስ ሽበራዊ ጉጅለ ሸኔ ንምርኻብ መደብ ከም ዝነበሮ ገሊጹ።
ኣብዚ ንሰለስተ መዓልታት ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ልዕሊ 100 ኣባላት’ቲ ሽበራዊ ጉጅለ ብፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ከም እተደምሰሱ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።