ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባታት ሃይኮታን ፎርቶ-ሳዋን፡ ንስድራ ስዉኣትን ጽጉማት ወገናትን ዓይነታውን ገንዘባውን ሓገዝ ተገይሩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ወኪላት ኤሪና፡ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ን107 ስድራቤታት ካሮታት ክዕድል ከሎ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ድማ ካብ ወርሓዊ ደሞዞም ዘዋጽእዎ 47 ሽሕ ናቕፋ ንስድራ ስዉኣት ኣመቓሪሖም።
እቲ ንጽጉማት ስድራ-ቤታትን ስድራ ስዉኣትን ዝተገብረ ደገፍ፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ መነባብሮ ናይ’ቶም ዜጋታት ኣብ ምምሕያሽ ኣበርክቶ ከምዝገብር፡ ተጸዋዒ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ ንኡስ ዞባ ሃይኮታ ኣቶ ተኽለ ኪዳነ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ገሊጹ።