ናብ ከተማ ኣዲስኣበባ ሰሊኾም ብምእታው ሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ሓሲቦም ዝነበሩ ልዕሊ 450 ኣባላት ዝተፈላለያ ሽበራውያን ጉጅለታት ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተገሊጹ።
ሓይሊ-ዕማም ጸጥታን ድሕነትን ፈደራል ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ጸጥታ ብዝምልከት ሎሚ ቀዳም 23 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ዩ ምትሓዝ ናይዞም ሽበራውያን ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት ናብ ከተማ ኣዲሳበባ ሰሊኾም ብምእታው “ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብ ምንቅስቓስ ዝነበሩ” ተባሂሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ፡ ኣባላት ፋኖ፡ ህወሓት፡ ሸኔ ፡ ኣልሸባብ፡ ኣይኤስ ከምኡ’ውን ህውከትን ዕግርግርን ንምልዕዓል ዝፈተኑ ልዕሊ 454 ጥርጡራት ከም ዝኾኑ ተገሊጹ።
ካብዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ጥርጡራት፡ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ዘለዎም 174 ኣባላት ህወሓት ክኾኑ ከለዉ፡ 100 ኣብ ኣዲስኣበባ ህውከትን ዕግርግርን ንምልዕዓል ፈቲኖም ዝተብሃሉ፡ 98 ኣባላት ሸኔ፡ 51 ድማ ኣኽረርቲ ኣባላት ፋኖ’ዮም።
ብዘይካ’ዚ 31 ኣባላት ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብን ኣህጉራዊ ጉጅለ ሽበራውያን እይኤስን ካብ መንጎ’ቶም ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻምን ዕግርግር ንምፍጣርን ኣብ ምንቅስቓስ ከለዉ ዝተታሕዙ 454 ጥርጡራት ከም ዝኾኑ ተገሊጹ።
ብዘይካ’ዚ እቲ መገለጺ ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ከተማታት ጋምቤላን ደምቢዶሎን ንዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕትታት ንህወሓት፡ ግንባር ነጻነት ጋምቤላ፡ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉምዝን ኦነግ-ሸኔን ተሓተትቲ ገይርዎም ኣሎ።