ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣቶ ኦርዲን በድሪ፡ ምስ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፈን ኣዉር ፡ ንልምዓታዊ ምንቅስቓስ ክልል ሃረሪ ብልምዓት ሓይሊ-ሰብን ብዓይነትን ንምድጋፍ ኣብ ዘኽእል ጉዳያት ተመያይጡ።
ድሕሪ’ቲ ዝርርብ ኣቶ ኦርዲን በድሪ ኣብ መርበብ ማሕበራዊ ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ “ምስ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፈን ኣዉር ፡ መንግስቲ ጀርመንን ገበርቲ-ሰናይ ትካላቱን ብፍላይ ‘ትካል ሰባት-ንሰባት’ ን ጂ ኣይ ዜድን ፡ ልምዓታዊ ምንቅስቓስ’ቲ ክልል ብልምዓት ሓይሊ-ሰብን ብዓይነትን ደገፍ ኣብ ዝገብሩሉ ኩነታት ተመያይጥና” ክብል ገሊጹ።
ኣቶ ኦርዲን በድሪ፡ መንግስቲ ጀርመን፡ ‘ትካል ሰባት-ንሰባት’ን ጂ ኣይ ዜድን ንዝገብርዎ ዘለዉ ደገፋት ምስጋንኡ ኣቕሪቡ።