• Home
  • Eritrea
  • Ethiopia
  • World News
  • Health
  • Science & Tech
  • About US
    • Privacy Policy
    • TERMS AND CONDITIONS
    • COOKIES POLICY
    • DISCLAIMER
    • COPYRIGHT INFRINGEMENT
    • Contact Us
Facebook Twitter Instagram
  • COOKIES POLICY
  • COPYRIGHT INFRINGEMENT
  • DISCLAIMER
  • TERMS AND CONDITIONS
Facebook Twitter Instagram YouTube
Eritrean Media Network Eritrean Media Network
  • Home
  • Eritrea

    ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ተሰንዩ ኣብ ከተማ ባጽዕ ዑደት ኣካዪዱ።

    July 11, 2022

    ማሕበር ምትሕግጋዝ ተጋደልቲ ዛራ፡ ንተኣለይቲ ሓርበኛታት ስንኩላን እንግዶት ገይሮም።

    July 11, 2022

    ኣብ ንኡስ ዞባታት ሃይኮታን ፎርቶ-ሳዋን፡ ንስድራ ስዉኣትን ጽጉማት ወገናትን ሓገዝ ተገይሩ።

    July 11, 2022

    3 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

    July 11, 2022

    ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብ ምክልኻል ገበናትን በደላትን ተራአን ክዕዝዛ ጸዊዑ።

    July 11, 2022
  • Ethiopia

    ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘተ ሰላም ንምዝርራብ ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ’ዩ

    July 25, 2022

    ኣባላት ናይ’ቲ ናብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ሰሊኹ ዝኣተወ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ተደምሲሶም

    July 25, 2022

    ኣብ ኣዲስኣበባ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ሓሲቦም ዝነበሩ ኣባላት ሓያሎ ሽበራውያን ጉጅለታት ተታሒዞም

    July 23, 2022

    ንግዳም ክውጽእ ዝተሓስበ ዋጋ ልዕሊ 33 ሚልዮን ብር ዘይሕጋዊ ወርቅን ባጤራታት ወጻእን ተታሒዙ

    July 23, 2022

    ኣቶ ኦርዲን በድሪ ምስ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ተዘራሪቡ

    July 23, 2022
  • World News

    መስርሕ ምጽንባር ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ናብ ሩስያ ተኻይዱ

    September 30, 2022

    መክሲኮ፡ ዝበዘሐ ቅትለት ተጣበቕቲ ኣከባቢ ዝረኣየላ ሃገር

    September 29, 2022

    ኣመሪካ፡ ዝርዝር ንዩክረይን ዝተወሃበ ዓይነት ኣጽዋር ሓቢራ

    September 29, 2022

    ሩስያ፡ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ትጽውዕ

    September 29, 2022

    ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ኡጋንዳ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጐ ትወድቕ

    September 29, 2022
  • Health

    ብሪጣንያ፡ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመት ቊጽሪ ሕሙማት ሽኮርያ ብዕጽፊ ወሲኹ

    May 12, 2021

    ውሑድ ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ ካብ ሕማም ልቢ ክከላኸል ይኽእል እዩ ተባሂሉ

    May 9, 2021

    ኣሕምልቲ ምምጋብ ካብ ሕማም ልቢ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ የዕቢ ተባሂሉ

    May 7, 2021

    ብዙሕ ወይ ውሑድ ድቃስ፡ ሓደጋ ሕማም ልቢ የኸትል

    May 6, 2021

    ክብደት ንምቕናስ፡ ቀስ ኢልካ ምብላዕ

    April 2, 2021
  • Science & Tech

    ትካል ማይክሮሶፍት፡ ናይ 21.9 ቢልዮን ጨረታ ይዕወት

    April 2, 2021

    ብሪጣንያ፡ ኣባላት ጒጅለ-7 ኣብ ዲጂታላዊ ውድድር ሓባራዊ መረዳእታ ክህሉ ትደሊ

    March 1, 2021

    ጎግል፡ ንመስራቲት ኣሃዱ ስነ-ምግባር ኣርቲፊሻዊ ብልሒ ካብ ስራሕ ኣባሪሩ

    February 22, 2021

    ናሳ፡ ኣብ ማርስ ሮቦት የዕሊቡ

    February 19, 2021

    ኣውስትራልያ፡ ዘይምቅዳው መንግስትን ዓርሞሸሽ ትካላት ተክኖሎጂን

    February 19, 2021
  • About US
    • Privacy Policy
    • TERMS AND CONDITIONS
    • COOKIES POLICY
    • DISCLAIMER
    • COPYRIGHT INFRINGEMENT
    • Contact Us
Subscribe
Eritrean Media Network Eritrean Media Network
Home»Science & Tech»ኣውስትራልያ፡ ዘይምቅዳው መንግስትን ዓርሞሸሽ ትካላት ተክኖሎጂን

ኣውስትራልያ፡ ዘይምቅዳው መንግስትን ዓርሞሸሽ ትካላት ተክኖሎጂን

0
By Admin on February 19, 2021 Science & Tech, World News

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣውስትራልያን ዓርሞሸሽ ትካላት ተክኖሎጂን ዝተራእየ ዘይምቅዳው ዓለም ምሉእ ብኣንክሮ ዝከታተሎ ዘሎ ጒዳይ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ጠንቂ ዘይምቅዳው ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ ናይ ተክኖሎጂ ትካላት ፈይስቡክን ጎግልን ኣብ ድሕረ-ገጻተን ዝጥቅዐኦ ዜናታት ክፍሊት ክኸፍላ ዘገድድ ሕጊ ብምንዳፉ ዝሰዓበ እዩ። እዚ ሕጊ ምስ ዝጸድቕ፡ ናይ ተክኖሎጂ ትካላት ኣብ ድሕረ-ገጻተን ዘውጸአኦ ዜናታት ክኸፍላሉ ስለ ዝጅምራ ዓለማዊ ምልውዋጥ ኣብ ኣጠቃቕማ ሓበሬታ ክስዕብ ምዃኑ ተንተንቲ ተክኖሎጂ ይሕብሩ። ብዘሎ ሓፈሻዊ ገምጋም፡ ሰባት ዝበዘሐ ዜናታት ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝረኽብዎ ይፍለጥ።

ኣብ ኣውስትራልያ ንዝሰዓበ ኩነታት ብምቕዋም፡ ፈይስቡክ ኣብታ ሃገር ኣብ ድሕረ-ገጹ ዝኾነ ዜና ከም ዘይረአ ጌሩ ኣሎ። እዚ ድማ ንመንግስቲ ኣውስትራልያ ዓቢ መልእኽቲ ምዃኑ እዮም ተዓዘብቲ ዝገልጹ። ገለ ኣባላት ባይቶ ኣውስትራልያ’ውን ብፈይስቡክ ዝተወስደ ስጒምቲ፡ እቲ ትካል ኣንጻር ኣውስትራልያ ኲናት ከም ዝኣወጀ እዩ ዝቊጸር ይብሉ ኣለዉ። እቲ ቀንዲ ንመንግስቲ ኣውስትራልያ ከምዚ ዓይነት ናይ ፈለማ ሕጊ ንከተኣታቱ ዝደረኾ ግን ኣብ መንጎ መራኸቢ ቡዙሃንን ዓርሞሸሽ ትካላት ተክኖሎጂን ዘሎ ዘይፍትሓዊ ውድድር ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ። መራኸቢ ቡዙሃን፡ በመገዲ ተለቪዥን፡ ራድዮን ጋዜጣን ዝቅርበኦ ዜናታት ገንዘብ ከፊለን ዘምጸኦኦ ክኾና እንከለዋ፡ ትካላት ተክኖሎጂ ግን ክሳዕ ሕጂ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ኣብ ድሕረ-ገጻተን ዜናታት ክዝርግሓ ምጽነሐን ይፍለጥ። ብመሰረት ሮይተርስ ኣብ 2020 ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ 52 ሚእታዊት መሕተት ካብ ዝተሓተቱ ኣውስትራልያውያን ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ምንጪ ዜና ከም ዝጥቐሙ ምሕባሮም ሓደ መርኣያ ናይዚ እዩ።

ፍርያተን ከዋዓውዓ ዝደልያ ትካላት ናብቲ ህዝቢ ብብዝሒ ዝጥቀመሉ ምንጪ ሓበሬታ ስለ ዝኸዳ፡ መራኸቢ ቡዙሃን ካብ መዋዓውዒ ዝረኽብኦ ኣታዊታት እናጎደለ ክመጽእ ምጽንሑ ይሕበር። ነዚ ንምፍዋሱ ድማ መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብዚ ጉዳይ ምስ ትካላት ተክኖሎጂ ዝርርባት ከካይድ ወነንቲ መራኸቢ ቡዙሃን ድፍኢት ይገብራ ምህላወን ይፍለጥ። ብዝኾነ፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ ጀሚርዎ ዘሎ ስጉምቲ ናበይ ከም ዝበጽሕ ከምኡ’ውን ከኸትሎ ዝኽእል ጽልዋን ንምዕዛብ መንግስታት፡ ማሕበረ-ሰብ መራኸቢ ቡዙሃንን ትካላት ተክኖሎጂን ዓለምና ብጥንቃቐ ይዕዘብዎ ምህላዎም ክግመት ይከኣል። ድሮ’ውን ትካል ጎግል ኣብ ድሕረ-ገጹ ንዘውጽኦ ዜና ብዝምልከት ምስ ወናኒ ሓደ ካብ ዝዓበዩ መራኸቢ ቡዙሃን ዓለምና ዝኾነ ሩፖርት ሞርዶክ ዝርርባት ጀሚሩ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

Admin

Related Posts

መስርሕ ምጽንባር ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ናብ ሩስያ ተኻይዱ

September 30, 2022

መክሲኮ፡ ዝበዘሐ ቅትለት ተጣበቕቲ ኣከባቢ ዝረኣየላ ሃገር

September 29, 2022

ኣመሪካ፡ ዝርዝር ንዩክረይን ዝተወሃበ ዓይነት ኣጽዋር ሓቢራ

September 29, 2022

ሩስያ፡ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ትጽውዕ

September 29, 2022
Add A Comment

Comments are closed.

© 2023 Eritrean Media Network
  • COOKIES POLICY
  • COPYRIGHT INFRINGEMENT
  • DISCLAIMER
  • TERMS AND CONDITIONS

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.