ክብደት ሰብነት ንምቕናስ እቲ ዝበለጸ መንገዲ፡ እትበልዖ መግቢ ቀስ ኢልካ ምብልዑ ምዃኑ ሓድሽ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር።
እቲ መጽናዕቲ ካብ ዩኒቨርስቲ ሮሃምቶንን ብሪስቶንን ዝተዋጽኡ ኪኢላታት ኣብ 800 ወለንታውያን ሰባት ዘካየድዎ ኮይኖም፡ ቅልጣፈ ኣበላልዐዖምን ክብደት ሰብነቶምን እናዓቐኑ ናብዚ ውጽኢት ክበጽሑ ከም ዝኸኣሉ ሓቢሮም።
ብመሰረት ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ፡ እቶም ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢሎም ዝበልዑ ሰባት፡ ክበደት ሰብነቶም ካብቶም ቀስ ኢሎም ዝበልዑ ወሲኹ ከም ዝተረኸበ እቶም ኪኢላታት ኣረዲኦም።