ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ኡጋንዳ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ኮንጐ ከም ዝወደቐት ኣፈኛ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኡጋንድ ምግላጹ ተፈሊጡ።
እዚ ኣብ ኣሶሸይትድ ፕረስ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጐ ምስ ጥርኑፍነት ምትሕሓዝ ንዘለዎም ዕጡቓት ንምቅላስ ትንቀሳቐስ ከም ዝነበረት ተገሊጹ።
ኡጋንዳ፡ ብኣፍልጦ መንግስቲ ኮንጐ ነቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ተካይድ ዘላ ኮይና፡ ጠንቂ ምውዳቕ ናይታ ሄሊኮፕተር ግን እንታይ ምዃኑ ከም ዘይተሓበረ ተገሊጹ።
ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ሓይሊ ብኤ.ዲ.ኤፍ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብ መጀመርያ 1990ታት ኣንጻር ፕረሲደንት ዩቨሪ ሙሰቪኒ ንምቅላስ ከም ዝተመስረተ ይሕበር።