ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ምጡን ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ ተኽእሎታት ከቢድ ሓደጋ ሕማም ልቢ ብ20 ሚእታዊት ከጒድሎ ከም ዝኽእል ሓቢሮም።
እቲ መጽናዕቲ ኣብ 50 ሽሕ ዝተፈላለየ ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ ዘዘውትሩ ሰባት ከም ዝተኻየደ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብመሰረት እቶም ተመራመርቲ፡ ምጡን ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ፡ ናብ ሓንጐል ዝኸይድ ናይ ጸቕጢ መልእኽታት ከም ዘጐድል የረድኡ።