ምስ ሰራሕተኛታት ዝረኽብዎ ክፍሊት ብምንጽጻር፡ ክፍሊት ኣካየድቲ ስራሕ ዓበይቲ ትካላት ዓለምና ብዝተዓጻጸፈ ይውስኽ ከም ዘሎ ሓድሽ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር።
ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ 2019፡ ቅድሚኡ ካብ ዝነበረ ዓመት ብምንጽጻር ክፍሊት ኣካየድቲ ስራሕ ብ14 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ተፈሊጡ። እዚ ማለት፡ ብገምጋም ሓደ ኣካያዲ ስራሕ 21.3 ሚልዮን ዶላር ደሞዝን ካልእ ረብሓታትን ይረክብ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ዝለዓለ ዝኽፈሉ ኣካየድቲ ስራሕ ኢሉ ካብ ዘለለዮም ድማ፡ ሳንዳር ፒቻይ-ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ጎግል 281 ዓመታዊ ክፍሊት ብምርካብ ኣብ ቅድሚት ይስራዕ።