ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ኲናት ሓድሕድ’ታ ሃገር ንኸብቅዕ ክግበር ብዛዕባ ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ-ሰላም ንምዝርራብ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ከም ዝኾነ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።
ፍሉይ ልኡኽ ማይክ ሃመር ካብ 24 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ 2022 ኣብ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዑደት ከካይድ’ዩ።
ማይክ ሃመር ኣብ ዑደቱ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ-ሰላም ንቕድሚት ንኽስጉም ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ናይ ምግምጋም ዕድል ከም ዝህልዎ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኣኢ ኣሜሪካ ብ 23 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ኲናት ፡ ሳልሳይ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምዃን ኣብ መወዳእታ ናይ ወርሒ ግንቦት ዝተመዘዘ ማይክ ሃመር እዚ ንካልኣይ ግዜ ዝገብሮ ዘሎ ዑደት’ዩ።