• Home
  • Eritrea
  • Ethiopia
  • World News
  • Health
  • Science & Tech
  • About US
    • Privacy Policy
    • TERMS AND CONDITIONS
    • COOKIES POLICY
    • DISCLAIMER
    • COPYRIGHT INFRINGEMENT
    • Contact Us
Facebook Twitter Instagram
  • COOKIES POLICY
  • COPYRIGHT INFRINGEMENT
  • DISCLAIMER
  • TERMS AND CONDITIONS
Facebook Twitter Instagram YouTube
Eritrean Media Network Eritrean Media Network
  • Home
  • Eritrea

    ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ተሰንዩ ኣብ ከተማ ባጽዕ ዑደት ኣካዪዱ።

    July 11, 2022

    ማሕበር ምትሕግጋዝ ተጋደልቲ ዛራ፡ ንተኣለይቲ ሓርበኛታት ስንኩላን እንግዶት ገይሮም።

    July 11, 2022

    ኣብ ንኡስ ዞባታት ሃይኮታን ፎርቶ-ሳዋን፡ ንስድራ ስዉኣትን ጽጉማት ወገናትን ሓገዝ ተገይሩ።

    July 11, 2022

    3 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

    July 11, 2022

    ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብ ምክልኻል ገበናትን በደላትን ተራአን ክዕዝዛ ጸዊዑ።

    July 11, 2022
  • Ethiopia

    ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘተ ሰላም ንምዝርራብ ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ’ዩ

    July 25, 2022

    ኣባላት ናይ’ቲ ናብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ሰሊኹ ዝኣተወ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ተደምሲሶም

    July 25, 2022

    ኣብ ኣዲስኣበባ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ሓሲቦም ዝነበሩ ኣባላት ሓያሎ ሽበራውያን ጉጅለታት ተታሒዞም

    July 23, 2022

    ንግዳም ክውጽእ ዝተሓስበ ዋጋ ልዕሊ 33 ሚልዮን ብር ዘይሕጋዊ ወርቅን ባጤራታት ወጻእን ተታሒዙ

    July 23, 2022

    ኣቶ ኦርዲን በድሪ ምስ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ተዘራሪቡ

    July 23, 2022
  • World News

    መስርሕ ምጽንባር ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ናብ ሩስያ ተኻይዱ

    September 30, 2022

    መክሲኮ፡ ዝበዘሐ ቅትለት ተጣበቕቲ ኣከባቢ ዝረኣየላ ሃገር

    September 29, 2022

    ኣመሪካ፡ ዝርዝር ንዩክረይን ዝተወሃበ ዓይነት ኣጽዋር ሓቢራ

    September 29, 2022

    ሩስያ፡ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ትጽውዕ

    September 29, 2022

    ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ኡጋንዳ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጐ ትወድቕ

    September 29, 2022
  • Health

    ብሪጣንያ፡ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመት ቊጽሪ ሕሙማት ሽኮርያ ብዕጽፊ ወሲኹ

    May 12, 2021

    ውሑድ ዓቐን ኣልኮላዊ መስተ ካብ ሕማም ልቢ ክከላኸል ይኽእል እዩ ተባሂሉ

    May 9, 2021

    ኣሕምልቲ ምምጋብ ካብ ሕማም ልቢ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ የዕቢ ተባሂሉ

    May 7, 2021

    ብዙሕ ወይ ውሑድ ድቃስ፡ ሓደጋ ሕማም ልቢ የኸትል

    May 6, 2021

    ክብደት ንምቕናስ፡ ቀስ ኢልካ ምብላዕ

    April 2, 2021
  • Science & Tech

    ትካል ማይክሮሶፍት፡ ናይ 21.9 ቢልዮን ጨረታ ይዕወት

    April 2, 2021

    ብሪጣንያ፡ ኣባላት ጒጅለ-7 ኣብ ዲጂታላዊ ውድድር ሓባራዊ መረዳእታ ክህሉ ትደሊ

    March 1, 2021

    ጎግል፡ ንመስራቲት ኣሃዱ ስነ-ምግባር ኣርቲፊሻዊ ብልሒ ካብ ስራሕ ኣባሪሩ

    February 22, 2021

    ናሳ፡ ኣብ ማርስ ሮቦት የዕሊቡ

    February 19, 2021

    ኣውስትራልያ፡ ዘይምቅዳው መንግስትን ዓርሞሸሽ ትካላት ተክኖሎጂን

    February 19, 2021
  • About US
    • Privacy Policy
    • TERMS AND CONDITIONS
    • COOKIES POLICY
    • DISCLAIMER
    • COPYRIGHT INFRINGEMENT
    • Contact Us
Subscribe
Eritrean Media Network Eritrean Media Network
Home»Eritrea»ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ተሰንዩ ኣብ ከተማ ባጽዕ ዑደት ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ተሰንዩ ኣብ ከተማ ባጽዕ ዑደት ኣካዪዱ።

0
By Admin on July 11, 2022 Eritrea

ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማል ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ሎሚ 11 ሓምለ – ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ወግዓዊ ዑደቱ ኣብ ኤርትራ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተሰንዩ ወደባዊት ከተማ ባጽዕን ከባቢኣን በጺሑ።

ፕረዚደንት ሓሰን ኣብ ዑደቱ፡ ስልጠና ባሕሪ ክወስዱ ምስ ዝጸንሑ ተዓለምቲ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ክራኸብ እንከሎ፡ ብፈጣናት ጀላቡ ንዘርኣይዎ ምንቅስቓስን ምርኢትን ድማ ተዓዚቡ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ነቶም ተዓለምቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዘርኢ ናይ’ቲ ኣብ ሓደ እዋን ሓያል ዝነበረ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ዳግመ-ምህናጽ ዝርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሶማል ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ኣብኦም ልዑል ዝኾነ እምነት ከምዘለዎ ገሊጹሎም።

ብዘይካ’ዚ፡ ፕረዚደንት ሓሰን፡ ኣብ ወደብን መዓርፎ ነፈርትን ባጽዕ በጺሑ።

ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 10 ሓምለ – ንክብሪ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ናይ ድራር እንግዶት ገይሩ። ኣብ’ቲ ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ዝተገብረ እንግዶት፡ ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ ኤርትራን ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ዝመጹ ሰብ-መዚ መንግስቲ ሶማልን ተሳቲፎም ነይሮም።

እቲ እንግዶት፡ ጉጅለ ሃገራዊ ባህሊ ‘ስብሪት’ ብዘቕረበቶ መሰናድኦ ደሚቑ ነይሩ።

ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማል – ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ 4 መዓልታት ዑደት ንምፍጻም፡ ብ9 ሓምለ’ዩ ኣስመራ ኣትዩ።

Admin
  • Website

Related Posts

ማሕበር ምትሕግጋዝ ተጋደልቲ ዛራ፡ ንተኣለይቲ ሓርበኛታት ስንኩላን እንግዶት ገይሮም።

July 11, 2022

ኣብ ንኡስ ዞባታት ሃይኮታን ፎርቶ-ሳዋን፡ ንስድራ ስዉኣትን ጽጉማት ወገናትን ሓገዝ ተገይሩ።

July 11, 2022

3 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ’ሎ።

July 11, 2022

ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብ ምክልኻል ገበናትን በደላትን ተራአን ክዕዝዛ ጸዊዑ።

July 11, 2022
Add A Comment

Comments are closed.

© 2023 Eritrean Media Network
  • COOKIES POLICY
  • COPYRIGHT INFRINGEMENT
  • DISCLAIMER
  • TERMS AND CONDITIONS

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.