ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማል ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ሎሚ 11 ሓምለ – ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ወግዓዊ ዑደቱ ኣብ ኤርትራ፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተሰንዩ ወደባዊት ከተማ ባጽዕን ከባቢኣን በጺሑ።
ፕረዚደንት ሓሰን ኣብ ዑደቱ፡ ስልጠና ባሕሪ ክወስዱ ምስ ዝጸንሑ ተዓለምቲ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ክራኸብ እንከሎ፡ ብፈጣናት ጀላቡ ንዘርኣይዎ ምንቅስቓስን ምርኢትን ድማ ተዓዚቡ።
ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ነቶም ተዓለምቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዘርኢ ናይ’ቲ ኣብ ሓደ እዋን ሓያል ዝነበረ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ዳግመ-ምህናጽ ዝርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሶማል ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ኣብኦም ልዑል ዝኾነ እምነት ከምዘለዎ ገሊጹሎም።
ብዘይካ’ዚ፡ ፕረዚደንት ሓሰን፡ ኣብ ወደብን መዓርፎ ነፈርትን ባጽዕ በጺሑ።
ብኻልእ ወገን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 10 ሓምለ – ንክብሪ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ናይ ድራር እንግዶት ገይሩ። ኣብ’ቲ ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ዝተገብረ እንግዶት፡ ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ ኤርትራን ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ዝመጹ ሰብ-መዚ መንግስቲ ሶማልን ተሳቲፎም ነይሮም።
እቲ እንግዶት፡ ጉጅለ ሃገራዊ ባህሊ ‘ስብሪት’ ብዘቕረበቶ መሰናድኦ ደሚቑ ነይሩ።
ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማል – ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ 4 መዓልታት ዑደት ንምፍጻም፡ ብ9 ሓምለ’ዩ ኣስመራ ኣትዩ።