Author: Admin

ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ነበር ናብ ሩስያ ንኽጽንበራ ድሕሪ ዘካየድኦ ረፈረንደም ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝህብ ሰነድ ከም ዝፈረመሉ ማዕከን ዜና ኣርቲ ሎሚ 30 መስከረም ገሊጻ። ሎሚ ዓርቢ፡ ወግዓዊ ምጽንባር እተን ኣርባዕተ ዞባታት ናብ ፈደረሽን ሩስያ ከም ዝተኻየደ ድማ ተገሊጹ። መራሕቲ ዞባታት ዶነስክ ሪፓብሊክ፡ ሉጋንስክ ሪፓብሊክ፡ ሀርሶን ከምኡ’ውን ዛፖሮዝያ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ኮይኖም፡ ብሓባር ምስ ፕረሲደንት ፑቲን ወግዓዊ ሰነድ ከም ዝተፈራረሙ ተሓቢሩ። ኣብ ኣርባዕቲአን ዞባታት ካብ 23 ክሳዕ 27 መስከረም ናብ ሩስያ ንምጽንባር ዘኽእል ረፈረንድም ምክያዱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ህዝቢ እተን ዞባታት ብዓብላሊ ሚኢታዊት ከም ዝደገፎ ድማ ኣብ እዋን ዝተዘርገሐ ሓበሬታ የረድእ።

Read More

ኣብ 2021፡ ብዓለም ደረጃ፡ 200 ዝበጽሑ ተጣበቕቲ ኣከባቢ ከም ዝተቐተሉ ዝገልጽ ሓበሬታ ካብ ኣሶሸይትድ ፕረስ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቲ ሎሚ 29 መስከረም ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ከም ዘረዳኦ፡ ካብቶም ዝተቐተሉ ተጣበቕቲ እቶም 54 ኣብ መክሲኮ ከም ዝኾኑ፡ እዚ ድማ እታ ሃገር ዝለዓለ ቅትለት ተጣበቕቲ ኣከባቢ ዝረኣየላ ሃገር ገይርዋ ከም ዘሎ ተገሊጹ። እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ ሓደ ርብዒ ካብቲ ቅትለት ኣብ ከም ኮሎምቢያ፡ ብራዚልን ኒኳራጋን ዝኣመሰላ ሃገራት ላቲን ከም ዝተፈጸመ ተሓቢሩ። ኣብ መክሲኮ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ብተኸታታሊ 30 ተጣበቕቲ ዓመታዊ ይሞቱ ከም ዝነበሩ ክግለጽ ከሎ፡ ዝሓለፈ ዓመት ግን እቲ ቅትለት ብዓቢ መጠን ምውሳኹ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Read More

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብዚ ቅንያት ዝጽደቖ ሓድሽ ንዩክረይን ዝተወሃበ ዓይነት ኣጽዋራት ከም ዝሓበረ ሎሚ 29 መስከረም ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቲ ካብ ኣርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ ኣመሪካ ክሳዕ እዚ ግዜ ናይ 17 ቢልዮን ኣጽዋር ብዝተፈላለየ መልክዕ ንዩክረይን ከም ዝሃበት ተገሊጹ። ካብዚ ዝተወሃበ ኣጽዋራት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቊጸር ቦንባታት ናይ መዳፍዕን፡ ሓደ ሚልዮን ዝበጽሕ ናይ ከቢድ ብረት ጠያይትን ከም ዘጠቓልል ተሓቢሩ። እቲ ዝርዝር ከም ዘረድኦ፡ 1,400 ስቲንገር ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይል፡ 8,500 ጸረ-ታንክ ሚሳይል፡ ከምኡ’ውን 60 ሚልዮን ጠያይት ፈኮስቲ ብረት ከም ዘጠቓልል ተፈሊጡ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ፡ 200 ድሩዓት መካይን፡ 20 ሄሊኮፕተራትን 150 መዳፍዕን’ውን ኣብቲ ዝርዝር ተጠቓሊሉ ከም ዘሎ ተነጺሩ።

Read More

መንግስቲ ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ሻንቢቆ መተሓላለፊ ባህሪያዊ ጋዝ ብፍላጥ ከም ዝተገበረ ድሕሪ ዝተገመተ መጥቃዕቲ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ከም ዝጸወዐት ማዕከን ዜና ኣርቲ ገሊጻ። ኣፈኛ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብኖርድ ስትሪም ሓደን ክልተን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኣኼባ ከም ዝጸወዐት ምሕባራ ተፈሊጡ። መንግስታት ሽወደንን ደንማርክን ድሮ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሻንቢቆታት ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ክፋሉ ዓቢ ጒድኣት ወሪዱ ከም ዘሎ ምግላጸን ተሓቢሩ። ተግባሪ እቲ መጥቃዕቲ መን ምዃኑ’ኳ ብወግዒ ኣይፈለጥ፡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ፖላንድ ግን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ንኣመሪካ ነቲ ሻንቢቆ ምዕናዋ ዘመስግን ጽሑፍ ከም ዝዘርገሐ ተነጺሩ ኣሎ።

Read More

ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ኡጋንዳ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ኮንጐ ከም ዝወደቐት ኣፈኛ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኡጋንድ ምግላጹ ተፈሊጡ። እዚ ኣብ ኣሶሸይትድ ፕረስ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጐ ምስ ጥርኑፍነት ምትሕሓዝ ንዘለዎም ዕጡቓት ንምቅላስ ትንቀሳቐስ ከም ዝነበረት ተገሊጹ። ኡጋንዳ፡ ብኣፍልጦ መንግስቲ ኮንጐ ነቲ ወተሃደራዊ ስርሒት ተካይድ ዘላ ኮይና፡ ጠንቂ ምውዳቕ ናይታ ሄሊኮፕተር ግን እንታይ ምዃኑ ከም ዘይተሓበረ ተገሊጹ። ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ሓይሊ ብኤ.ዲ.ኤፍ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብ መጀመርያ 1990ታት ኣንጻር ፕረሲደንት ዩቨሪ ሙሰቪኒ ንምቅላስ ከም ዝተመስረተ ይሕበር።

Read More

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ሩስያ ዝርከቡ ዜጋታቱ ካብታ ሃገር ክወጹ ደጊሙ ከም ዝጸወዐ ኣርቲ ገሊጻ። መንግስቲ ሩስያ ንዘውጸኦ ናይ ክተት ኣዋጅ መሰረት ብምግባር፡ ናብ ኲናት ንኸይውሰዱ ኣመሪካውያን ካብታ ሃገር ክወጹ ኤምባሲ ኣመሪካ ምሕባሩ ተፈሊጡ። እቲ ጻውዒት፡ ኣመሪካውያን ብውልቆም ብዝቐልጠፈ ካብታ ሃገር ክውጹ ከም ዘለዎም ዝሕብር ኮይኑ፡ ኣብ ዶባት ዘሎ መፈተሺ ነቊጣታት ዓቢ ሪጋ ከም ዝረኣዮ ድማ እቲ ኤምባሲ ወሲኹ ኣረዲኡ። መንግስቲ ሩስያ ክልተ ዜግነት ንዝሓዙ ዜጋታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ከም ሩስያውያን ከም ዝሕሰቡ፡ ዜግነታውያን ግቡኦም ንኽፍጽሙ ድማ ትጽቢት ከም ዝግበር ምሕባሩ ይፍለጥ።

Read More

ኢራን፡ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዒራቕ ዝመደበሩ ኢራናዊ-ኩርዳዊ ተቓዋሚ ጒጅለ ደብዳብ ከም ዘካየደት ኣልጀዚራ ሎሚ 28 መስከረም ኣብ ዝዘርገሓቶ ሓበሬታ ተፈሊጡ። በቲ ዝተኻየደ ደብዳብ፡ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ክግለጽ ከሎ፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት’ውን ከም ዝቖሰሉ ተሓቢሩ። ካብ ሰራዊት ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ድማ፡ ዕላምኦም ብልክዕ ብዝሃርሙ ሚሳይላት ኣብ ዕላማታት እቲ ጒጅለ ደብዳብ ከም ዝተኻየደ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ደብዳብ ዝተኻየደሉ ጒጅለ ኣብ ኢራን ንኸይነጥፍ ዝተኸልከለ ኮይኑ፡ ጸጋማዊ ኣረኣእያ ዝኽተል ዕጡቕ ግጅለ ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Read More

መስራቲ ናይቲ ብፈይስቡክ ዝፍለጥ ዝነበረ ኣብዚ ግዜ ግን ስሙ ናብ ሜታ ለዊጡ ዘሎ ማርክ ዙከርበርግ፡ መጠን ሃብቱ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ብ76.8 ቢልዮን ዶላር ከም ዝጐደለ ደይሊ መይል ገሊጻ። ወዲ 38 ዓመት ዛከርበርግ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ብርክታት ትካሉ ድሕሪ ዘጋጠመ ምንቊልቋል ዋጋታት፡ ካብ ዝርዝር ዓሰርተ ዝሃብተሙ ሰባት ከም ዝተኣለየ ድማ ተሓቢሩ። ኣ ብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ፡ መጠን ብርኪ ሜታ ብ38 ሚእታዊት ከም ዝጐደለ ክሕበር ከሎ፡ ቀንዲ ምኽንያት ድማ፡ ካብ መወዓውዒ ዝርከብ ኣታዊታት ብምጒዳሉን ካብ ከም ቲክቶክ ዝኣመሰሉ ትካላት ሓያል ውድድር ብምርካቡን ከም ዝኾነ ድማ ተፈሊጡ። ዛከርበርግ፡ ኣብ ዝርዝር ቢልዮነራት ዓለምና ኣብ 2008 ከም ዝኣተወ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ግዜ 1.5 ቢልዮን ብምውናን…

Read More

ወራሲ ዓራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኮይኑ ከም ዝተሸመ ኣልጀዚራ ገሊጻ። እቲ ልኡል፡ ወላ’ኳ ከም መራሒ ኮይኑ ክሰርሕ እንተጸነሐ፡ እዚ ሕጂ ዝተወሃቦ ሽመት ግን ወግዓዊ መራሒ መንግስቲ ኮይኑ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ኣብ ካቢነ ስዑዲ ዓረብ’ውን ለውጥታት ተገይሩ ከም ዘሎ፡ ኣብቲ ብንጉስ ሳልማን ዝተዘርገሐ ኣዋጅ ተነጺሩ ኣሎ። ምንኣስ ሓው ንመሓመድ፡ ካልድ ድማ ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ተሸይሙ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። መስርሕ ሽመት ቢን ሳልማን፡ ኣካል ናይቲ ቀስ እናበለ ዝግበር ዘሎ ስግግር ስልጣን ወዲ 86 ዓመት ንጉስ ሳልማን ከም ዝኾነ ድማ ተዓዘብቲ የረድኡ።

Read More

ኣብ ኩባ ብዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ህቦብላዊ ማዕበል እታ ሃገር ትማሊ ረቡዕ 27 መስከረመ ጸልሚታ ከም ዝሓደረት ኣሶሸይትድ ፕረስ ገሊጻ። እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ንትሕተ-ቅርጺ ጸዓት እታ ሃገር ከቢድ ዕንወት ኣውሪድሉ ከም ዘሎ ክሕበር ከሎ፡ ንገለ ካብቲ ኣገዳሲ ዝበሃል ሕርሻታት ትንባኾ’ውን ዕንወት ኣውሪድሉ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ካብ ማሕበር ጸዓት ኩባ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ድማ፡ ትሕተ-ቅርጺ ጸዓት ናብ ንቡር ንምምላስ ብዘይ ዕረፍቲ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ድማ ተፈሊጡ። ብዛዕባ ዝወረደ ሰብኣዊ ክሳራታት ወግዓዊ ጸብጻብ’ኳ እንተ ዘይተዘርገሐ፡ ብዛዕባ ዝወረደ ጒድኣት መጽናዕቲ ይካየድ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Read More